ሕያወይቲ ሰበይቲ ንእግዛብሄር እትፈርሕን እተምልኽን ሰበይቲ ብንጽህና ምንባር እያ ትፈቱ ። ካብ ምሕፋራ ዝተላዕለ ድማ ርእሳ ትሕት ኣቢላ እያ ትኸይድ ። ንሕያወይቲ ሰበይቲ ሕያውነታ ብገጻ እዩ ዝፍለጥ ። እዛ ከምዚ ዝበለት ሰነይቲ ሕያወይቲ እያ ትባሂላ ድማ ትምስገን ።
ሕያወይትን ጽብቕ ጠባይ ዘለዋን ሰበይት ብእግዛብሄርን ሰብን ጽብቅ ዕድል ኣለዋ ። ሕያወይቲ ሰበይቲ ናይ እግዚኣቢሄር ዕድል ኣልዋ ።
ለባም ሰበይቲ ናይ ሰብኣያ ክብሪ ስለ ዝኾነት ንሰብኣያ ተኽብሮን ተዕብዮን እያ ።ከምኡ ‘ ውን ለባም ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘውዲ እያ ።
ኣብ መዓልቲ መርዓ መብራህት ኣብ ልዕሊ በሪኽ በርሁ ክትርእዮ ክለኻ ከም ዘሕጉስ ሕያወይቲን ጽብቕ ጠባይ ዘልዋን ሰበይቲ ድማ ንሰብኣያ ተሐጉሶ እያ ። ኣብ ውሽጢ ገዝኣ ድማ ከም ፋኑስ እያ እተብርህ ።
ሕያወይቲ ሰበይቲ ዝረኸበ ሰብኣይ ድማ ካብ እግዝኣቢሄር ክብርን ምስጋ ናን ከም ዝረኸበ እዩ ። ሓጽረት ቀጠነት ሰነፈት ኢሉ ንለባም ሰበይቱ ዝፈትሐ ሰብ ግን ደስትኡ ይስእን ።
ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ምስ ትደልዩ ንኣገልጉለትኩም ድሉዋት ኣሎና
ፈለግ ቤት-መጻሕፍቲ Ashenafi Wedi Harie
ካብ መጽሓፍ – ኣናጋሪ ፍላስፋ

