ኣብ ሓደ ዓዲ ሓንቲ ጥበበኛ ግን ዘይተማህረት ሰበይቲ ነበረት። ደቃ ድማ ብትምህርቶም ኣዝዮም ንፋዓት ነበሩ። ሓደ ካብ ቤተሰባ ድማ ከምዚ ኢሉ ሕቶ ሓተታ
ሕቶ ፦ ዘይተማሃርኪ ከለክስ ከመይ ገይሮም ደቅኪ ብትምህርቲ ንፋዓት ኮይኖም ኢሉ ሓተታ
መልሲ፦ ዝወደይ ኣነ ትምህርቲ ዘይምምሃረይ ንሱ’ዩ ጠቂምኒ ደቀይ ትምህርቲ ውዒሎም ገዛ ምስ መጹ ኣጽንዑ ኣይኮንኩን ዝብሎም ።
ሕቶ፦ እንታይ ደኣ ትብልዮም ፧ ብከመይ’ከ ደቅኪ ብትምህርቶም ንፉዓት ኮይኖም፧
መልሲ፦ እታ ጥበብ ኣብዚ’ኣ እያ ዘላ ኣስተውዕል ዝወደይ፡ ኣነ ዝብሎም ንደቀይ ካብ ትምህርቶም ናብ ገዛ ምስ መጹ፡ ኣጽንዑ ዘይኮንኩ ዝብሎም እንታይ ተማሂርኩም ሎሚ፧ ኣነ ስለ ዘይተማሃርኩ ነዓይ መሃሩኒ ( ኣረድኡኒ) ኢለ ኢየ ዝሓቶም፧ ደቀይ ድማ እቲ ዝተማሃርዎ ኩሉ ሓደ ብሓደ ይደግሙለይ። ንዓይ ክነግሩ ብዝደጋግምዎ ድማ ኣብ ርእሶም ይሰፍር። ንዓይ ከረድኡኒ ኢሎም ብዝጸዓርዎ ድማ ነቲ ትምህርቲ ኣዝዮም እንዳ ፈለጥዎ ይከዱ ። ስለ’ዚ እዛ ጥበብ እዚኣ እየ ዝጥቀም በዚ ምክንያት ኢዮም ድማ ደቀይ ኣብ ትምህርቶም ንፉዓት ኮይኖም በለቶ።
*ካብዛ ሓዛር ዛንታ እንታይ ተማሂርና፧
# ካብ ምህሮ የእምሮ ዝበልዎ ወለድና #
ካብዘን መጽሓፍቲ ናይ ህጻናት ምስ ትደልዩ ጸሓፉለይ


Hi, this is a comment.
To get started with moderating, editing, and deleting comments, please visit the Comments screen in the dashboard.
Commenter avatars come from Gravatar.